Você está na página 1de 9

ኣቐዲመ ነቲ ብዘገርም ፍቕሪ ዘፍቀረኒ ከምኡ ውን ብምሕረቱ ዘይ ግብኣኒ ሂወትን በረኸትን ዝሃብኒ

እግዚኣብሄር ኣቦን ወድን መንፈስ ቅድስን እግዚኣብሄር ሓደ ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ስግደትን ንበይኑንዘልኣለም
ኣለም ይኹን። ከም መላለዪ ድማ ፣ ስመይ ኢሰያስ ኣብርሃም ይብሃል። ብ 12/08/1988 ኣብ ከረን ተወሊደ ኣብ
ከረን ውን ዓብየ። ኣብ ኣስመራ ውን ነርስን መወለድ ነርሰን ተማሂረ ብኡ ውን ኣብ ተሰነይ ከም ነርሰን መወላድ
ነርስን (Nurse and Midwife) ኮይነ ሰሪሐ። እቲ ኣምላኽ ዝገበረለይ ኩሉ ክገልጾን ከዘንትዎን ኣይክእልን ግን ካብ
ባሕሪ ብጭልፋ ብሓይሊ ኤልሻዳይ መንፈስ ቅዱስ ተደጊፈ ገለ ክምስክር እየ።

ቀዳማይ ክፋል - ትኣምር

መወዳእታ ወርሒ 09/ 2013 ኣብ ከባቢ ሲሲሊ ጥልያን(Sicily, Italy) ምስ በጻሕና፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ርሑቕ
ዘይ መስል ንቑጽ ምድሪ ንርኢ። ካብቶም ምሳይ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ድማ ኣብ ጥልያን ፖሊስ
ከይሕዘና እሞ ዓሸራ ወይ በስማ ከይንገብር ዝብል ሓሳብ ሒዞም ነጢሮም ናብቲ ባሕሪ ይኣትዉ። ባሕሪ ግና ከምቲ
ንሶምን ንሕናን ዝተጸበናዮ ሓጺር ነጢርካ ብእግርኻ ደው ኢልካ ሃዲምካ ተምልጠሉ ዘይ ኮነስ ኣዝዩ ዓሚቕ ነበረ፣
ብሰሪ እቲ ውሓጢ ዕምቆቱ ድማ ብዝሓት ክጥሕሉ ጀመሩ። ዓርከይ ሓምድ ወዲ ከረን ድማ ክዳኑ ከውጽእ ምስ
ርኣኽዎ፣ ያኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ ገለ ይብሎ፣ ንሱ ድማ ሓንቢሱ ከምዝኽእል ካልእን ኣረዲእኒ ናብ ባሕሪ ተነቕተ።
ንሓንቲ ኣብ ጻዕሪ ናይ ሂወት ገድሊ ዝነብረት ሓንቢሳ ዘይ ትኻእል ፍረወይኒ ጋል ከረንን ተዘይተጋግየ ውን ን ሓደ
ካልእ ሰብ ውን ምስኣ ኣድሒነ። እቶም ኣብቲ ውሓጢ ባሕሪ ዝቃልሱ ዝነበሩ ኣውያትን ብኽያትን፣ ኣብታ መርከብ
ምሳይ ዝነብሩ ድማ ብኽያት ኣውያት ሸበድበድ ጀመሩ ፣ በቲ ዘይ ትሓስበ ፍጻመ ኣዝዮም ሰንቢዶም ብየማን
ወገን ናይታ ጃልባ ኮኑ። ኩሉ ሰብ ብሓደ ወገን ስለ ዝኾነ ጃልባ ንምግምጣል ጎቦ ክትከውን ትጅምር። ፋሕፋሕ
ክንብል ነጊረዮም ግን ወላ ዝሰምዓኒ ስኣንኩ። ድሕሪኡ ንሓደ ስሒበዮ ድየስ ጸሪፈዮ እንድዒ፣ ግን እግዚኣብሄር
ኣምላኽ ይመስገን ተገምጢላ በቃ ከይዳ ተገምጢላ ጠፋእና እና በልና ከለና ኣብቲ ሕጻ ናይቲ ባሕሪ በጺሓ ተሸኽለት።
ከምዛ ምሳና ዘይምጽኡ ኣነ ዝቐዳማዮም ሃለዋቶም ከይሓተና ክሒድናዮም እና ሃደምና ፖሊስ ሲሲሊን ካልኦትን
ግና ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባርኮም እና ሓንበሱ ሂወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣድሓኑ። ግን 13 ሰባት
መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ዓሪፎምና። ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፣ እዚ ኽሉ ስሃራን ሊብያን ባሕርን ተሰጊርናስ ሕጂ ሞት
ሕጂ ምስ ተዓወትና ጥፍኣት፣ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓጥያተይን ሓጥያት ህይበይን ምእንቲ የሱስ ክርስቶስ ወድኻ
ይቕረ በል፣ እንድዒ ኣዝዩ ከቢድ ሓዘን እዩ፣ ንወለድን ንስድራቤትን ንፈተውትን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምጽንናዕ
ይሃብ። ካብዚ ተመራሪሕና ኣብ ኣዝዩ ዓቢ ገፊሕ ናይ ሕርሻ ኣዝዩ ዓቢ ጃርጂን ንኣቱ። ኮለል ሸንኮለል ኢልና ሓረስቶስ
ንረክብ፣ጥሜት ካብኩሉ ድማ ጽምኢ ስለ ዝበርትዓና ብእንግሊዝ ጌረ ማይ ከስትዩና ይልምኖም ፣ግን ክርድኡኒ
ኣይክኣሉን፣ ነታ ኣብ ኤረ-ቲቪ ዘቕርብዋ ዝነበሩ ሬክላም ናይ ማይ ስሓ ዘኪረ ኣካ ፍረሽ ኣካ ፍረሽ ይብሎም፣ ሕጂ
እንተኾነ ውን ፍጽም ክርድኡኒ ኣይክኣሉን። ብዝኾነ ካብኡ ወጺእና ናብ እንዳ ነዳዲ ከምኡ ውን ንእሽተይ ድካን
ዘልዎ ሸል ወይ ኣጂብ ካብ ሓዲኡ ንረክብ። ንሓደ ኣብቲ ውሽጢ ድካን ካሳ ሒዙ ዝነብረ ምስተዛረብክዎ ኣምላኽ
ይባርኮ ማይ ሓሊፍዎስ ችፕስ (chips) ሂብና። ካብዚ ኣብ ዓቢ ጽርግያ ኣቲና ካብኡ ውን ብስንጭሮን ኣግራብ ዘልዎን
ሓሊፍና ናብ ዓቢ ጽርግያ ከም ዝኣተና ይዝክር። ድሕሪ እዚ ዝስዕብ ፍጻሜታት ካብ ቶም ናይ ዓይኒ ምስክር
ዝርኣዩን ዝበጽሑኑን ሓፍተይን ቤተ ሰበይን ዝርከብዎም ብዝነገርኒ መሰረት ክምስክር እየ፣ ግን መታን ክንጽር እቲ
ኣነ ዝዝክሮ ካብቲ ካልኣት ዝቦልኒ እና ሓበርኩ ፈላልየ ክጽሕፎ እየ። ኤፍሬም ወዲ ዒለ ምሳይ ኣብቲ ጽርግያ ዝነብረ
ናይ ዓይኒ ምስክር እዩ። ኤፍሬም ነቲ ፍጻመ ክዝክሮ ከሎ ስለ ዘሸቕርሮ ንኽነግረኒ ኣዝዩ ከበዶ፣ግን ለሚነ ምስ
ኣፍተኽዎ ፣ ዝመስከረለይ ነዚ ይመስል። ኣነ ንስኻ ሓደ ሳልሳይና እና ኸድና ኣብ እግረይ እሾኽ ስለ ዝኣተወኒ፣ ኣብቲ
ዓቢ ጽርግያ ብጸግዒ ኮፍ ንብል ፣ ንስኻ ድማ ነታ ኣብ እግረይ ዝነበረት እሾኽ ደኒንካ ከተውጽኣለይ ትጋደል። ሓንቲ
ማኪና ሃንደብት ብላዕሊ መጺኣ ትቐልዓካ፣ ሓደ 7 ሜትሮ ዝኸውን ብርእስኻ ከም ክዕሶ እና ነጠርካን እና ተጋጨኻን
ኣብቲ ጽርግያ ትዝርጋሕ። ካብ ርእስኻ ካብ ኣካልካን ዝውሕዝ ዝነበረ ደም፣በጃኻ ኢሰያስ ሓወይ ሕጂ ኣይትዘክረለይ፣
ሕደገኒ ክዝክሮ ኣይደልን እየ ይብል። ኣነ ድማ ቀጽል ብጃኻ ኤፋር ሓወይ ንገርኒ ፣ድሕሪኡ ኸ እንታይ ኣጋጢሙ
ይብሎ። ቀጺሉ እና ኣስካሕክሐ ከምዚ ይብል፣ ኣነን እቲ ምሳይ ዝነብረን ብስንባድ ነቒጽና ብጣዕሚ ልብና ሰንቢዱ
ካብታ ኮፍ ኢልናያ ዝነበርና ተንከስ ከይ በልና ንጥምተካ። ፖሊስ ጋዜጠቻታት ካሎኣት ሰብ መካይን ከቢቦምኻ፣
ቪድዮ ይቐድሑ፣ ንስኻ ግና ናይ ሞት ምልክት ዝመስል ምንቅስቓስ ተርኢ ኔርካ። ብዝሓት ሰባት ከቢቦምኻ ስለ
ዝነብሩ እቲ ዝሃረምካ ብዓል መኪና ይስወር። ንዓኻ ብእንፑላንስ ናብ ሆስፒታል ንዓይን ነቲ ምሳይ ዝነብረ ድማ ናይ
ዓይኒ ምስክር ኢኩም አሎም ይወስድና። ድሕሪ እዚ ዘሎ ውን ኣነ ኢሰያስ ዝዝክሮ ዘይኮነስ ሓፍተይ እምነት ኣኮይ
ረዘነ ወዘተ ብዘዕለሉኒ መሰርት እየ ክጽሕፍ። ኣብ ሆስፒታል ካታንያ ጥልያን ዶተር ሊናን ካልኦት ሓካይምን ምስ
ርኣይኻ ጥቓ የማናይ እዝንኻ ዘሎ ዓጽሚ ርእሲ ተስየሩ፣ኣዝዩ ብዝሕ ደም ፈሲስዎ፣ ኣይዛረብ ኣይትምት ፌንት ወይ
ኣብ ከቢድ ሃለዋት ምጥፋእ ዝኣተወ፣ ኣብርእሲ እዚ ኽሉድማ ብኣንቅጺ(Mengities) ርእሱ ተወሪሩ፣ በዚ ኩሉ
መለክዒ ተስፋ ከምዘይ ብልካ፣ ንሶም ብሕክምና ክገብርዎ ዝኽእሉ ስለ ዘየለ ክሳዕ ትንፋስካ ትሓልፍ ክሑዝኻ
ምኻኖም ወሰኑ። ኣብ ጥልያን ዝነብረ ናይ ካተሊኽ ቀሺ ሙሴ ከይኮነ ኣይተርፍን፣ ከምዚ ይብል፣ነዞም 13 ሬሳታት
ኣይትቕበርዎም ሓንሳብ ንጸበ፣ እዚ ሓደጋ ናይ መኪና ረኺብዎ ዘሎን ክሎም ብሓንሳብ ሓመድ ኣዳም ክነልብሶም
በለ። ስድራይ ቤተሰበይ ኣዕርኽተይ ኣብ ከቢድ ሓዘን ኣትዮም ፣ልቦም ኢሰያስ ክመውት እዩ እና በሉ ንሓዘን ከዳልዉ
ኣብ ወጥርን ጭንቀትን ተሸሚሞም ነበሩ። የሱስ ክርስቶስ እሞ ፍቕሪ እንድዩ፣ ኣምላኽ ምሕረት ይፈቱ፣ ብሓቂ
ክብርን ስግደትን ምስጋናን ነቲ ኩሉ ዝኽእል ዘልኣለማዊ ፈጣሪ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ንሓደ እግዚኣብሄር
ኣምላኽ ይኹን። ሃንደበት ሓካይም ዘይ ተጸብይዎ የማነይቲ ዓይነይ ድያ የማነይቲ ኣጻብዕቲ እግረይ ትንቐሳቐስ፣
ዓቢ ተስፋ ክሎም ሓካይም ተሓጎሱ። ሓለፋ ኽሎም ግና ኣዴኻ እያ ኣዝያ ብርኽቲ ዝብሉኒ ፣ብጀካ ብቴልፎን
ብፍጹም ዘይ ዝክራን ዘይ ፈልጣን ዶተር ሊና ኣዝያ ተሓጎሰት። እምነት ሓፍተይ ብዛዕባ ዶተር ሊና ከምዚ ትብል፣
ሓላፊት እንከላ ምእንታኻ ኢላ ዝያዳ ትሰርሕ፣ ለይቲ ዘይ ግብኣ ከሎ ምእንታኻ ትሓድር፣ ክሎም ሓካይም ኦሮማይ
ሕደግዮ እንታይ ትገብሪ ኣለኺ ተስፋ የብሉን እናበልዋ፣ ተስፋ ከይ ቆረጸት፣ ኢሰያስ ፎርሳ ተንስእ እና በልት
ትንቕንቐካ፣ ብሓቂ ናይ ኣደ ልቢ ዘልዋ ሓኪም እያ ትብል። ኣነ ኢሰያስ ብዝዕብኣ ሽሕ እካ ኣይዘክራን ኣይፍለጣ ግን
ልክዕ ከም ዝፈልጣ ይናፍቓ። እቲ ብኣ ጌሩ ፍቅሩ ዘርኣየኒ ወይ ን ዶር ሊና ዘዳልወልይ የሱስ ክርስቶስ ፍቕሩን
ጉስነቱን ኣጸብቑ ክምህረኒ ስለ ዝደለየ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። ድሕሪ እዚ እምነት ሓፍተይ ትንፋስ ክትመልስ
ትጅምር፣ ኣነ ምስኻ ክሕልወካ ይድቅስ፣ ንስኻ ግን ብሰንኪ ድኻምን ትኽስታን ተሰኒፈ ምስ ደቀስኩ፣ ነቲ ኣብ
ጎሮረኻ ኣእትዮምልካ ዝነበሩ ትቦ ትብጥሶ፣ነቲ ኣብ ኢድካ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ( infusion) ተውጽኦ፣ነቲ ናይ ሽንቲ
ትቦ(catheter) ውን ትብንጥሶ ቀስ ኢልካ ወጺእካ ናብቶም ካልኦት ሕሙማት ኣቲኻ ልክዕ ከም ሓኪም ትርእዮም
ገለ፣ ሽዑ እቶም ሓካይም ይስንብዱ፣ ኣዝዮም ይሽገሩ፣ ብፍላይ ናይቲ ብሓይሊ ዝውጻእካዮ ብቡዝሕ ክፋላት
ኣካልትካ ደም ስለ ዝፈስስ፣ ክረድእኻ መታን ኣዝዮም ይጋየዩ። ደጊሞም ንኹሉ ይእትውልካ። ብዝሕ ግዜ ኢኻ
ከምዚ እና ገብርካ ኣሸጊርካና ኔርካ ትብል። ካብ ካታንያ( Catania) ናብ ሚላኖ(Milan) ናይ ዓጽሚ ርእስን እዝን
መጥባሕቲ ንኽትገብር ንኸማሓላልፍኻ(refer) ይውስኑ። ኣብ ሚላኖ ግን ቅድሚ ዝኾነ ዓሸራ ድሕሪ እዚ ድማ 2
መጥባሕቲ ይጽበየኒ ከምዘሎ ምስ ተረጋግጸ፣ ካብ ሆስፒታል ከምዝወጽእ ይግበር። ኣነ ኢሰያስ ዝዝክሮ ነቲ ናይ
ኣንቅጺ(Mengities) መድሃኒት በርቲዕኒ ከቢድኒ ኣዝየ ጸሊኦዮ ከምዝነብርኩን፣ ካልእ ብዝሕ ናይ ጽልላት ስራሕ
ይሰርሕ ከም ዝነብርኩ ጽቡቕ ጌረ ይዝክር። ኣነን 3 ሰባትን ብመኪና ካብ ሚላኖ ብስዊዘርላንድ እና ሓለፍና ፖሊስ
ስዊዝ ኣብ ክያሶ( Chiasso, Switzerland) ዝብሃል ሒዞም ይዎስድና። ኣብቲ ካንፒ ክያሶ 2 ውይ 3 ምዓልቲ
ምስገብርኩ ኣዝዩ ስለዝበርትዓኒ ይነግሮም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባርኮም ንዓይን ካልኦትን ብሙኒባስ ናብ ከተማ
መንደሪሶ ናብ ዓቢ ሆስፒታል (Mendrisio cantonal hospital) ይዎስድና። ብልክዕ እንታይ ኮይነ ከምዘልኹ
ስለዘይተረድኣኒ፣ ደይ ሕጂ ተራእየ ክምለስ እየ ኢለ ኩሉ ንብረተይ ሓዲገ፣ ብጃማ ሸበጥ ከይውሰድኩ ናብቲ
ሆስፒታል ይኣቱ። ኣብዚ ሕክምና ግና ከባቢ 2 ሰሙን ጌረ ኢለ ይግምት። ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ላዕላይ ደርቢ
ኣደቂሶምኒ፣ዶክተር ንኽምርምረኒ ስለ ዝጽውዓኒ፣ ናብ መመርመሪ ክፍሊ ኮንፒተራት፣ ራጂ፣ ዓበይቲ መመርመሪ
ማሺናት ዘልዎ ክፍሊ ይዎስድኒ። ዶተር ደም መርመራን ኮንፒተርን ራጅን ጌሩ መርሚሩ ምስ ወድኣ ከምዚ
ይብለኒ፣ ናይ ግደን 2 መጥባሕቲ ክትገብር ኢኻ። ሓደ ኣብ ልዕሊ የማናይ እዝንኻ ዘሎ ዓጽሚ ርእስኻ ተሴሩ ኣሎ
መጥባሕቲ ናይ ዕጽሚ ርእሲ ክትገብር ኢኻ፣ ካልኣይ ድማ የማነይቲ እዝንኻ መጥባሕቲ ክትገብር ኢኻ፣ እቲ
ኣንቅጺ(mengities)ግን ሓዊኻ ኢኻ ይብለኒ። ካብዚ ናብታ ክፍለይ ሰልይ እና በልኩ ይምለስ እሞ ማዕጾ ዕጽየ ኣብ
ምድሪ ይድፍእ። ጎይታ የሱስ እዚ ኹሉ ሓጥያተይን በደልይን እዩ፣ ንዓይ ንሓጥእ ምሓረኒ፣ መጥባሕቲ ናይ ርእሲ
ክገብር ኣይትሕደገኒ፣ ኢድካ ኣንብረለይ፣ ኢለ ይንሳሕን ይጽልን። ድሕሪ 1 በዚሑ ተባሂሉ 2 ምዓልቲ ንኻልኣይ ግዜ
መሊሶም ይምርሙርኒ። እቲ ዶክተር ድማ ብኣጻብዕቱ ምልክት ናይ ትኽ እና ገብረ ፣ ዓጽሚ ርእስኻ ተልጊቡ ትኽ
ኢሉ፣ናይ ርእሲ መጥባሕቲ ኣይክትገብርን ኢኻ፣ናይ እዝኒ መጥባሕቲ ጥትራይ ኢኻ ክትገብር እናበለ ብምግራም
የበስረኒ። የሱስ ክርስቶስ ጎይታ እዩ፣ የሱስ ፈዊስኒ። ወላሓደ ክሕግዘኒ፣ ከሕውየኒ፣ ሽግረይ ክፈትሖ ዝኽኣለ
ኣይነበርን። የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽን ወዲ ኣምላኽን ግና ሓጥያተይ ከይፈንፈነ ኢዱ ኣንቢሩ ፈዊስኒ። ኣሜን ክብሪ
ንየሱስ ክርስቶስ፣ ብዘይ ምጥባሕቲ 100 ካብ 100 ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሓደጋ ዝነበርክዎ ርእሲ ዓጽመይ ኣሕውይኒ።
ከም ነርስ መጠን ክርእዮ ከልኹ፣ ዓጽሚ ተተሴሩ እሞ ተቐላጢፍካ መጥባሕቲ ጌርካ ተዘይ ጸጊንካዮ ካሉስ (callus)
መስርሕ ናይ ምዕራይ ጌሩ ሓቢጡ ብጌጋ ይገጥም፣ ድሕሪ እዚ ድማ ካብቲ ቀዳምይ ዳሕራይ ዝብኣሰ ይኽውን።
ንዓይ ግና ኢድ የሱስ ክርስቶስ ስለ ዝፈወሰትኒ 100 ካብ 100 ብዘይ ሽግር ብዘይ ጸገም ርእሰይ ተጸጊኑ።
ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅድስ ስለ ዘንበብኩ ወይ ሰባት ኢለሞ ኢለ ዘይኮንኩስ፣ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ
ቀዳማይ መልእኽቲ ዮሃንስ 4ይ ምዕራፍ ፍቕዲ 8 ተጻሒፉ ዘሎ ፍቕሪ ምኻኑ ኣነ ኢሰያስ ኣብርሃም ምስክር እየ።
እቲ ምሕረትን ፍቕርን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣጸቢቑ መታን ክንጽር፣ ጠንቂ ናይ ዚ ሓደጋ እንታይ እዩ ክጽሕፎ እየ፣

ስለምንታይ እዩ ሓደጋ ኣጋጢምኒ

ብወርሒ 5, 2013 ከባቢ ስዓት 5;30-6;05 ድ.ሕ.ቀ ኣቢሉ ይኸውን፣ ስራሕ ስለ ዘይ ነበረኒ፣ ካብቲ ክፍሊ
መወልዳን ተሰነይ ሆስፒታል ወጺአ ኣብ ሰድያ እግረይ ሰቒለ ኮፍ ኢለ ከልኹ፣ ሃንደብት ጻዕዳ ክዳን ከም በረድ
ዝምጽዕዳዉ ዝለበሰ ልክዕ ወዲ ሰብ ዝመስል፣ ጸግሩ ውን ነዊሕ ኣብ እንግድዑ ዝበጽሕ፣ ገጹ ግን ክርእዮ
ኣይክኣልኩን፣ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብራኢ ይርእዮ። ልክዕ ከምዝደርቐ ኮይነ ካብታ ዘልኽዋ ተንከስ ክብል
ኣይክኣኩን። የሱስ ብኣዝዩ ትሑት ፍቕሪ ዝመልኦ ድምጺ፣ ኢሰያስ ወደይ ካብ ኤርትራ ከይትውጽእ ኢልኒ
ይስወር፣ እንደገና ኣብ ውሽጢ ካንሸሎ ሆስፒታል ተሰነይ ለይቲ ዓራት ኣውጺአ ደቂሰ ከለኹ፣ ብሕልመይ የሱስ
ክርስቶስ ጻዕዳ ክዳን ከም በረድ ለቢሱ ካብ ሰማይ እና ወርደ ደበና ብትሕቲ እግሩ ይርኢ፣ ብኣዝዩ ትሕትና ፍቅርን
ምሕረትን ዝመልአ ድምጺ ኢሰያስ ወደይ ካብ ኤርትራ ከይትወጽእ ኢሉ ደጊሙ ተላበወኒ። እቲ ድምጹን ፍቅሩን
ትሕትንኡ ኣዘራርብኡን ክዝክር ከልኹ መመሊሰ ይንስሕ። ብትሪ ክእዝዘኒ ክቐዝፈኒ ኩሉ ኣብ ኢዱ እዩ። ብኹሉ ድማ
ሓቀቻን ጻድቕን እዩ። የሱስ ክርስቶ ግና ንዓይ ንሓጥያተኛ ሰብ ብፍቕሪ ተዛሪብኒ። ነዚ ደርብየ ሓጥያት እና ገብርኩ
ጸረ እቲ ኣምልኽ ዝበልኒ ካብ ኤርትራ ሃዲመ። ምዓት ሓጥያት እናገበርኩ ካብ ኤርትራ ንምህዳም ብቡዝሕ መንገዲ
እና ጽዓርኩ ከምዚ ፣ባባ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣሕሊፍካ ኣይትሃብኒ፣ባዕልኻ ቅጽዓኒ ኢለ ይጽሊ ኔረ። እዚ ድማ
ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፣ ሓንቲ ኣይገብረንን እዩ ዝበል ጌጋ ዝኾነ ሓሳብ ሒዘ ስለ ዝነብርኩ እዩ። እዚ ሓደጋ ግና ከምቲ ኣቦ
ንውልዱ ቀጺዑ ዝእርሞ፣ ኣምላኽ ኣቦይ ስለ ዝኾነ ገኒሑ ተዓሪቕኒ፣
መልእኽቲ ናብ እብራውያን ምዕራፍ 12 ካብ ፍቕዲ 5 ክሳብ ፍቕዲ 11 )። ብዓቢኡ ንሞት ተፈሪደ እየ ኔረ ግን
ሳላ ደም የሱስ ብሂወት ይነብር ኣለኹ። ክጽለል ፣ክለምስ፣ኩሉ ናይ ምዝካር ክእለተይ ፍጹም ክድምሰስ፣ እሞ
ስመይ፣ወለደይ፣ኩሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ ሰብ ኮይነ ኽትንስእ ውን ይክኣል ኔረ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ግና ንሒፍኒ።
ስለ ዘፍቀረኒ መታን ክንሳሕ፣ እሞ ካብቲ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት ግሃነብ ቦታ ሰይጣኑን መልኣኽቱን ኣናጊፍኒ፣ ቀጺዑ
ዘይግብኣኒ ሂወት ሂቡ ክንሳሕ ኣብ ቤቱ ክምለስ እሞ ነዚ ከዘንቱ ኣኽኢልኒ። የሱስ ክርስቶስ ኤልሻዳይ ኣልፋን ኦሜጋን
ፍቕርን እዩ።

ወደየ፣ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ዉሉዱ ዝቐጽዖ፣ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፣
ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፣ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር።
መጽሓፍ ምሳሌ 3ይ ምዕራፍ ፍቕዲ 11;12

ካልኣይ ክፋል- ነብሰ ቕትልት

ውዕለት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ክቑጸር ዘይ ክእል፣ ብሓቂ መዳርግቲ ዘይ ብሉ ኣዝዩ ብዝሕ ስለ ዝኾነ፣
ነይናይ ገዲፈ ወይ ነይናይ ከቐድም ይሽግረኒ፣ግን ሳላ ኤልሻዳይ መንፈስ ቅዱስ ቁርብ ክምስክር ይኽእል ኣለኹ።
ኤልሻዳይ ኣልፋን ኦሜጋን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባረኽ። ሕጂ ድማ እቲ ዘይጠልም ኣምላኽ ኣቦ ጎይታናን
መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ከመይ ካብ ነብሰ ቕትለት ከምዘድሓነኒ ብጸግኡ ክምስክር እየ።

ኣብ ተሰነይ ከለኹ ህይወተይ ብደም የሱስ ተቐይሩ፣ ብሓቂ ኣብጽቡቕ ክርስትናዊ ሂወት ዝነብርኩሉ ግዜ፣
2013 ወርሒ 3 ምስታ ከምሓፍተይ ዝቐርባ ዝነብርኩ፣ ኣብ ኣፋ ከይ ተረፈ ድማ ፍረይ ጋል ዓወት ኣነ ሓውኺ
እየ፣ፍቕሪ መርዓ ገለ ዝብሃል ኣይደልን እየ ፣ኣብ ኩሉ ጉዳይክን መርዓኽን ከም ሓዊ ኮይነ ደው ክብለኪ እየ። ጎይታ
ተፈቒድዎስ ከም ጳውሎስ ከይተምርዓኹ ከልግሎ እዩ ድልየተይ ዝብላ ዝነበርኩ ሓፍቲ ፍቕሪ ይሕዘኒ። ድሌተይን
ባህገይን ስለ ዘይ ነበረ ድማ ልበይ ይስበር። ጸምን ጸሎትን ይወስድ፣ ብዚ ድማ ናይ ስግረዶብ ሓሳብ፣ እንድዒ ኩሉ
ይትሓዋወሰኒ። እቲ ጸምን ጸሎትን ናይ ሸበድበድ፣ ኣምላኽ ፍቓዱ ከፍልጠኒ ከንጽረለይ ዕድልን ግዜን ኣይሃብክዎን።
ወርሒ 5- 2013 ፍረይ ጸገመይ ስለተረድኣ ብዝሕ ድማ ክቕየራ ስለ ዝጀመርኩ ባዕላ እንታይ ምኻኑ ሽግረይ
ትሓተኒ፣ ነዛ ኣብ ፍቕርኺ ወዲቐ ትብል ቃል ምውጻእ ምስደንገኹ፣ኣብ ፍቕራ ከም ዝወድቕኩ፣ ግን ፍቓድ ኣምላኽ
ከምዘይኮነን ትገልጸልይ። ፍረይ ኣብልባ ዘይነብረ ሕቶይ ኣዝዩ ኣገሪምዋን ኣፍሪሕዋን ብምግራም ኪትስሕቅ ነገራት
ክትሓዋወሳን ጀሚሩ፣ ሓወይ እዩ ኢላ ናይልባ ኣካፊላትንስ ሕጂ ንፍቕሪ እሞ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኮነ ኣዝዩ ልቢ
ዝትንክፍ እዩ። ናሆም ሓወይ ብቴል ኣዕርኹተይ ቢንያምን ኣማኒኤልን ብተሌፎን ብኣካል ምክኤል ዓርከይ ውን
ብኣካል ከእምንዋ ፈቲኖም፣ ግን ፍቓድ ኣምላኽ ከምዘይ ኮነ ኣረዲኣቶም። እዚ ድማ ልበይ ሴሩ ናብቲ ወሲነዮ
ዝነብርኩ ጸረ ኣምልኽ ዝኾነ ናይ ስግረዶብ ሓሳብ ንኽጸንዕ ተራ ተጻወተ። እዚ ኽሉ ትኣምራት ጌሩ ካብ ሞት
ኣድሒኑ፣ካብዝተፈላለየ ስንክልናን መልመስትን ጽላለን ኣውጺእኒ ኣነ ግና ኣብክንዲ ዝንሳሕ ኣብ ሓጥያት እና ነብርኩ
ንግሃነብ ዘምርሕ ሂወት ሒዘ ኣብ ስዊዘርላንድ ክነብር ጀመርኩ። ንፍረይ ብቴል ንውሳኔኣ ድግመ ግምት ክትገብረሉ
ገና ከምዘፍቅራን ክልምና ይድውል ነበርኩ። እታ ናይ መወድእታ ተሌፎን ግና ወርሒ 7- 2014 ድሕሪ እቲ ብርቱዕ
ናይ እዝኒ መጥባሕቲ ዝገበርኩሉ ግዜ እዩ ዝነበረ። ካብ መደንዘዚ ምስተበራበኩ፣ እቲ መጥባሕቲ ዝገብረልይ ዶክተር
ናብታ ደቂሰያ ዝነበርኩ ክፍሊ ኣትዩ ጥቓ ዓራተይ ድው ኢሉ ከምዚ ኢሉ ይዛረብኒ፣ ሰልስተ ስዓት ዝወሰደ ኣዝዩ
ከቢድ መጥባሕቲ ከምዝገብረልይ፣ ሓጺን ብጎሮርኣይ ኣእትዩ ነቶም ነርቭታት ከምዝወገኖምን
ከምዝተክላኸሎምን፣ክሳብ ጎሮርአይ ዝሓዊ ቴል ከወግድ፣ የማነይቲ እዝነይ ኣዝያ ተሃስያ ከምዘላ፣ ሓንቲ ዓጽሚ
እዝነይ ፍጹም ከምዝትሓማመሸት ገለ ዓጽሚ እዝነይ ውን ትሃስዩ ከምዘሎ፣ርፍራፍ ዓጽሚ ከምዝጸንሖን
ይገልጸልይ፣ ኣብመወዳእታ ድማ ጽቡቕ ጌርካ ክትሓዊ ኢኻ ኣይብለካን ግን ተስፋ ይገብር ክትሓዊ ይብለኒ። ኣነ ግና
የሱስ ከምዝሕውየኒ ብወርሒ 1-2014 ሓሊመ ስለ ዝነበርኩ ኣይተጣራጠርኩን። ከምቲ ዝሓልምክዎ ድማ የሱስ
ክርስቶስ ኢዱ ኣንቢሩ ብጥዕና የንብረኒ ኣሎ። እቲ ሓጺን ኣብጎሮርኦይ ብሓቂ ስለ ዝሃሰየኒ፣ ቃንዛ ይገብረልይ
ድምጸይ ውን ኣዝዩ ጎርናው ኮነ። ፍቕሪ ፍረይ ዓወት ልዕሊ ኽሉ ስለ ዝነብረ በቲ ሓካይም ዝሃቡኒ ካርዲ ኣእትየ
ይድወለላ። ሕጂ ውን ተኾነ ፍቓድ ኣምላኽ ከምዘይ ኮነ፣ ንዓይ እትኸውን ካልእ ጋል ምኻናን ወዘተ ተረድኣኒ። ድሕሪ
እዚ ኣምላኽ ዝገብረለይ ፍቕርን ምሕረትን ረሲዐ ፣ብዘይስሩዕ ሽጋራን መስተን ይሰቲ ኣብ ሓጥያት ይመላለስ። ተስፋ
ዘይብሉ፣ዘይተቅም ሰብ ምኻነይ ክመውት ከምዝበልጽ ዝብል ናይ ሰይጣን ሓሳባት ኣብ ሓንጎለይ ክድወል ጀመረ።
ብዝሕ ግዜ ኣብ መስትያት እና ርኣኹ ኢደይ እና እዋጣወጥኩ ኢሰያስ ክትመውት ኣለካ፣ክትሕረድ ኣለካ፣ጠላም
መርገጺ ዘይብሉ፣ሓጥያተኛ፣ ሞት ኣበይ ትረኽቦ።ንስኻ ክትሕረድ ኣለካ እናበልኩ ብዝሕ ገዜ ዝደጋግሞ ዝነብርኩ
ዘርባ እዩ ዝነበረ። ኣብ ከተማ ቢል ,ወርሒ 12- 2014 ሰብ ዝተጠቐመሉ ወይ ሰብ ውሰድዎ ዝበሎም ንብረታት
ዝሸጡ ብሮኮን ሃውስ(Broken Hause salivation Army Biel/Bienne/ Heisarmee brocki Biel/Bienne) ናይ
ማሕባራዊ ስራሕ (social work/sozialarbeit) ክሰርሕ ይጅምር። ኩሉ ሂወተይ ኣዝየ ይጸልኦ። ከምቲ ብዝሕ ግዜ
ዝገብሮ ካብ መሳርሕተይ ሽጋራ ለሚኒ 6 ;30 ድሐቀ ስለዝኾነ ድማ ንብረት ኣተኣታቲና ዓጻጺና ቻቻው ተባሃሂልና
መመገድና ንኸየድ። ማይ ትፍቲፍ ይብል፣ ኣነ ድማ ክፉእ ሓሳብ እና ሓሰብኩ ኣብጥቓ ማዕጾ ኮፍ ኢለ ሽጋራ ወልዐ
እና ስሓብኩ ኩሉ ሂወተይ ክዝክሮን ከስተንትኖን ይጅምር። ሰይጣን ልበይን ርእሰይን ብሕምቕ ሓሳብ ክመልኦ
ጀመረ፣ሓደ መንፈሳዊ ሂወተይ ዘኪረ። ቅድስና ፍቕሪ ዝመልኦ ሂወት ብሓጥያት ዝተመልአ ፍንፉን ሂወት ተቐይሩ፣
ፍረይ ዓወት ብሰንኪ ፍቕራ ልበይ ዝተሰበረ ብዝሕ መንፈሳዊ ሂወተይ ዝዓነወ ንፍቕሪ ኣብያትኒ፣ ብመንፈሳዊ ወዲአ
ተሳዒረ፣ብስጋዊ ሂወተይ ድማ መጻወቲ ሰይጣን ክኸውን፣ ዘዝሰምዐ ሰብ ብኣይ ክዕንከፍ፣ ኖእ ርእሰይ ክቐትል እሞ
ግሃነብ ምኻድ ይሓይሽ ኢለ ይውስን። ሽጋራይ ወዲአ ብዝሕ ሓሲበ ንገዛ ይኣቱ። ናብ ዓራተይ ተደርብየ ሓንቲ ስእነይ
ኣውጺአ ሓንቲ ለቢሰ ናይ ሞት ሓሳብ ይሓስብ። ሓፍ ኢለ ኮፍ ይብል።ካራ ጌረ ዓበይቲ ትቦታት ደም ዝርከቦ ቦታ
ሰለፈይ ዶ ይሓይሽ ወላስ ኣበይ ተሓረድኩ እየ ቀልቲፈ ዝሞተሉ ኢለ እና ሓሰብኩ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቅድመይ
ደው ብምባል፣ ብዝሓለፈ ሂወትካ መጻኢ ሂወትካ ኣይተባላሽዎ ይብለኒ። ኩሉ ናይ ሞት ናይ ነብሰቕትለት ሓሳብ
ኩሉ ካባይ ርሒቑስ ከጽንዕ ክዛረብ ጀሚረ። ሃሌሉያ ኤልሻዳይ መንፈስ ቅዱስ ብምሕረቱ ሓጥያተይ ከይጸብጸበ ካብ
ነብሰ ቕትለት ኣድሒኑኒ። እዛ ቃል ሂወት ሂባትኒ፣ኩሉ ግዜ ክሳብ ብሂወት ዘለኹ ኣብልበይ ኣላ። እዚ ኹሉ
ጠሊመ፣ፈትየ ኣብሓጥያት ኣትየ፣ብገዛእ ፍቓደይ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ሪሕቐ፣ምሕረት ጌርለይ። ኣየ እግዚኣብሄር
ኣምላኸይ ፍቕሪ ስለ ዝኾንካ ምሕረት ገርካለይ፣ክብሪ ይኹን ንዓኻ ኣምላኸይ። ኣነ ሓጥያተቻ እየ፣ኣነ ወዲ ኣምላኽ
ክኸወን መንግስተ ሰማይ ክኣቱ ኣይክእልን ወዘተ ትብል ሰብ፣ ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ። ንዓይ ጌርለይ ዘሎ መምሃሪ
ይኹንካ። ሓጥያተቻ እየ ዲኻ ትብል ዘልኻ፣የሱስ ንሓትኣን ደልዩ እዩ ካብ ሰማይ ዝወረደ። ንዓ ተንበርኪኽካ የሱስ
ክርስቶስ ንዓይ ንሓጥእ ምሓረኒ፣ብደምካ ሕጸበኒ፣ስለ ሓጥያተይ ዝሞትካ ብሳልሰይቲ ምዓልቲ ስለ ጽድቀይ
ዝተንስእካ ጎይታየን ኣምላኸየን መድሓንየን ምኻንካ ኣሚነ ልበይ ይህበካ ኣልኹ ኢልካ ጸልን ተነሳሕን። ብሓቂ ድማ
መንፈስ ቅዱስ ክድግፈካን ከረጋግጸልካን እዩ እሞ ንዓ ሎሚ ጽባሕ ከይ በልካ ሃቦ ልብኻ ንየሱስ ጎይታ።
ትንቢት ህዝቄኤል 33 ምዕራፍ ፍቕዲ 11

ኣምላኽ፣ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኹሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፣


ከይጠፍእሲ፣ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዝህብ፣ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
ወንጌል ዮሃንስ 3ይ ምዕራፍ ፍቕዲ 16
3ይ ክፋል- ምንጋፍ

እዚ ኽሉ ኣብ ሆስፒታል ካታንያ ጥልያን ደቂሰዮ ዝነብርኩ ዝዝከርኒ ከምዘየለ ወይ ዝዝክሮም ሓካይም ይኹኑ
ወላ ዝኾነ ሰብ ከምዘየል ኣቐዲመ ነጊረኩም ኔረ፣ እንተ ኾነ ሓንቲ ራኢ ዝራኽዋ ኔራ። ኣብዚ ራኢ ዝተፈጸመን ካብኡ
ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከመይ ኣናጊፍንን ኣድሒንን ብጸግኡ ተደጊፈ ክምስክር እየ። እታ ራኢ ዝርኣኽዋ ድማ

ኣብ ሓንቲ ክፍሊ በይነይ ጎቦ ኮይነ፣ ኤንፍጅን ኣብ ጸጋማይ ኢደይ ጌረ፣ ልቺ ተወሊዓ፣ካብታ ዝነብርክዋ
ክፍሊ ወጻኢ ግና ጸልማት ክብድ ዝበለ ለይቲ ነበረ። በታ ፊተይ ዝነብርት ናይታ ዝነበርክዋ ክፍሊ ማዕጾ ኣብሓጎይ
ርእሶም፣ ብስእሊን ዛንታን ጥራይ ዝፈልጦ ኣባ ኣብሓጎይ ኣጅማድ ነጋሲ፣ ኣቦይ ኣርኣያ ዘመድ ሓደ ሽሙ ዘይ ፈልጦ
ራብዓዮም ድማ ክፍት ኣቢሎም ይኣትዉ። እዞም ኣርባዕተ ስብኡት ነብሲሄራት እዮም። ኣባ ኣብሓጎይ ኣጅማድ ነጋሲ
ኣብማእከል ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢሉ፣ጥራዝን ፒሮን ሒዙ ይጽሕፍ፣ ኣብሓጎይ ርእሶም ብዋዒኡ ሸበድበድ እና በለ ናባይ
ካብክሎም ቀሪቡ ኢዱ ናባይ እና ኣመልከተ፣ ነዚ ቆልዓ ውሰድዎ ይብሎም። ኣነ ድማ ምሳኹም ኣይከደን እየ ኢለ
ይኣብዮ፣ በየን ከምዝተሰወሩ እቲ ማዕጾ ትዓጽዩ በይነይ ይተርፍ። ድሕሪ እዚ ግና ክልተ ልክዕ ሓደ ዝመስሉ ኣዝዮም
ክፍኣት፣ኣዝዩ ብርቱዕ ጽልኣት ዘልዎም ፣ ሕጽር ዝበሉ ኣጋንንቲ ይእትዉ። እቲ ዝመርሕ ዝነበረ ጋኒን ኣብጥቓ ርእሰይ
እቲ ሓደ ጋኒን ድማ ብእግረይ ኣዝዮም ናባይ ቀሪቦም ደው ይብሉ። ኣዝየ ፈሪሐ ኢደይ ቀጥቀጥ ክብል ጀመረ።
ንኽወስዱኒ ክልቲኦም ኣእዳዎም ይዝርግሑ። ነቲ ብርእሰይ ዝነበረ ቀጥቀጥ እናበልኩ ንዓኻ ኣይፈርሓካን እየ፣ ብስም
የሱስ ምሳኻ ኣይከድን ይብሎ። በዚ ዘረባይ ኣዝዩ ተቖጢዑ ብኢዱ ርእሰይ ብሓይሊ ይጸቕጠኒ፣ ድሕሪ እዚ ድማ
ጸሊም ጽብቕ ጌሩ ዝርአ ትኪ ዝመስል ኣፍሲስለይ ይስወሩ።

ካብዚ ራኢን ካብ ኩሉ እቲ ዝመስከርኩልኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ስዊዘርላንድ ብምሕረቱ ከንበርኒ


ምስጀመረ ሳዕብየን ናይዚ ራኢ ኣብ ሂወተይ ክጸልወኒ ይጅምር። ብ 2014 ኣብ ኢንግሽታይን ዶርፍ ( Enggistein
Dorf) ዝብሃል ካንፕ ደቂሰ ከለኹ ብሕልሚ ተመን ስለ ዝመጸኒ ባህሪረ ካብ ላዕሊ ዓራት ናብ ምድሪ ዘሊለ ብስንባድ
ይነጥር። እቲ ትሕተይ ዝድቅስ ዝነበረ ባህሪርካ ነጢርካ ረቢሽካና ገለ ኢሉ የማር። እቲ ዝኸበደ ግና ኣብ ቢል/ብያን
ከተማ ናይ ስዊዘርላንድ እዩ ዝነበረ። 2015 ወርሒ ሓደ መንገዲ ክርስትና ይጅምሮ ይገድፎ፣ ወርሒ 4 ግና ተነሲሐ
ናብ መንገዲ ኣምላኽ ይምለስ፣ ኣብ ውሽጠይ ድማ ነዛ ራኢ ክጽልየላ ዝበል ሓሳብ ይመጸኒ። ኣነ ግና ኣምላኽ ቀደም
ፈዊስኒ እዩ፣ሓንቲ ጸገም የብለይን፣ እዚ ሓሳብ ናይ ሰይጣን እንበር ናይ ኣምላኽ ኣይኮነን ኢለ ነጺገዮ ክነብር
ጀመርኩ። ኣብ ቢል ኣብ ሓንቲ ገዛ ክልተ ሰባት ንድቅስ ነበርና። ምድሪ ወጊሓ ምስ ተንሳእና እቲ ምሳይ ዝድቅስ
ሃተፍተፍ ክትብል ሓዲርካ ይብለኒ፣ ኣነ ድማ ክላእ ሳክት ናይ ሓሳብ እዩ ገለ ኢልዮ ናብራ ይቕጽል። ካልእ ምዕልቲ
ምድሪ ወጊሓ ምስ ተንሳእና እቲ ምሳይ ዝድቅስ ኣዝዩ እና ኣንቀጥቀጠ ንስኻ ጋኒን ኣለካ፣ሎሚ ለይቲ ክትጭበጥ
ፍሉይ ዝኾነ ድምጺን ምሕጫጭን ምንክስቓስን ጌርካ። እቲ ዝገብሮ ዘንበርኩ ድጊሙ እና ኣርኣየኒ፣ ንስኻ ናይ
ሰይጣን መጽሓፍ እንበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኮንካን ተንበብ ዘልኻ፣ ካልእ ብዝሕን ምስበልኒ ኣዝየ ሓዘንኩ። ኣብቲ
ብሮከን ሃውስ ቢል ጌና ይሰርሕ ስለዝነብርኩ ኣዝየ እና ግሃኹ ስራሕ ይኸይድ። ብሓቂ ክሰርሕ ኣይካልኩን፣ውሽጠይ
ምዓት ሕቶ መልኦ። በቃ ኣምላኽ ከቢድ ሓጥያት ስለዝገበርኩ ኣይሓደገለይን ማለት እዩ፣ክርስትያን ኔረ ተዝኸውን
ድኣ ከመይ ኢሉ ከምዚ የጋጥመኒ ዝበል ሕቶታት ኣጨነቑኒ። ምሽ ምስራሕ ክንቀሳቐስ ስለ ዘሸገርኒ ከምዚ ኢለ
ብንብዓት ናብ የሱስ ጎይታ፣ እንታይ እየ ዝኸወን ዘለኹ፣ ኣይምሕርካን ዲኻ፣በጃኻ ዝገብሮ ጨኒቕኒ ኣሎ ርድኣኒ ኢለ
ጸለኹ፣ሽዑ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነታ ራኢ ኣዘከርኒ፣ልበይ ኣህዲኡ ውን ዳግም ናብ ስራሕ ንኽምለስ ኣኽኣለኒ።
ድሕሪ ስራሕ ናብቲ ዓቢ ቀላይ ናይ ቢል ከይደ ብምልእ እምነት ከምዚ ኢለ ብንብዓት፣ ጎይታ ዩሱስይ በጃኻ ካብቲ
እቶም ኣጋንንቲ ዝኻዓውለይ ጸሊም ትኪ ዝመስል፣ካብኩሉ ዘባህርረንን ካልእን ንስኻ ዘይትኸብረሉን ብደምካ
ኣናግፈኒ ኢለ ጸልኹ። ካብ ውሽጠይ እና ተረድኣኒ ቕንጥ ኢሉ ናብቲ ቀላይ ገጹ ወጸ። ከምዚ ካቦት ተኸዲንካ እሞ
ሃሩር ኮይንካን ከቢድካን ጸኒሑ፣ነታ ካቦት ክተውጽኣ ከልኻ ተስተማቕሮ ሓድሽ ንፋስን ጾር ምቕላልን ካብኡ
ብሚልዮናት ዕጽፍታት ብዝበልጸ እዩ ምፍትሕን ሓርነትን ተረዲእንን ተፈሊጥንን። ክብሪ ንኣምላኽ፣ የሱስ ክርስቶስ
ብደሙ ኣናጊፍኒ። ድሕርዚ ገዛ ተመሊሰ ከም ንቡር ምሸት ኮይኑ ደቂስና መድሪ ወጊሓ ንትንስእ። እቲ ምሳይ ዝድቅስ
እና ስሓቐ፣ ሎምስ ተፈዊስካ፣ ሰላም ሓዲርና ይብለኒ። ድሕሪ እዚ ግዜ ክሳብ ወርሒ 11/ 2015 ብሓንሳብ
ተቐመጥና። እቲ ምሳይ ዝድቅስ ሰብ ተፈዊስካ፣መንገዲ ኣምላኽ ጀሚርካ ካልእ ጽብቅ ምስክር እና መከረለይ
ብሰላም ክነበር ጀምርና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብኢዱ ፈዊስኒ፣ብኢዱ ኣናጊፍኒ፣ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።

4ይ ክፋል - ምቅናዕ

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዘልኣለም ይባርኽ፣ እቲ ምሕረቱን፣ፍቕሩን ክዝክሮ ከልኹ መምሊሱ


ይሕድስኒ፣የገርምኒ፣የነስሓኒ፣ እንድዒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ማዕረ ኽንደይ እዩ ንወዲ ሰብ ዘፍቅሮ ስቓይን ሞትን
ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ የሱስ ጥራይ’ዩ ክገልጾ ዝኽእል። ሕጂ ውን ኣብ ጸጋ ጎይታየን ኣቦይን የሱስ ክርስቶስ ተወኪለ
ከመይ ኣብግዜ ካልኣይ ቃል - መሕተት(interview) ኣብ ኢምግረሽን በርን ስዊዘርላንድ ኣጋኒነዮን ሓሴዮን
ዝነበርኩ ኣቃኒዐ፣ ኣምላኽ ድማ እንታይ ጌርለይ ክምስክረልኩም እየ። ኣብ ውሽጠይ ሕርኽርኽ ዘብል ዘየቕስን ኣብ
ቀዳማይ ቃል - መሕተት(interview) ዝሓሰኽዎን ዘጋነንክዎን፣ብድሕሪኡ ድማ ናይ ሓሶት ወርቕት ኢለ ዝጥርጥራ
፣ማለት፣ እዛ ወረቐት 100 ካብ 100 ኩሉ ሓቅነታ ዘይነጸረለይ ናብ ኢምግረሽን ሰዲደሎም ስለዝነበርኩ፣ ኣብ
መንቀሳቐሲአይ ተጻሒፉ ዝነብረ ስመይን ስም ኣቦይን ዕለት ልደተይን ጌጋ ዝነብሮ፣ ኩሉ ብሓጺሩ ምቅናዕ ዘድልዮ
ስለ ዝነበረ ኣብውሽጠይ ሕቶ ኔርኒ። ከተቃንዕ ኣለካ እና በለ ልበይ ስለ ዝሃወጸኒ፣ ኣብ መንገዲ ብእግረይ ኣና ኸድኩ፣
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብሰንኪ ሓደጋ ድየ ሓስየ ወላስ ኮነ ኢለ ንስኻ ትፈልጥ። ንዓይ ግና እዚ ምልክት ሃብኒ፣
ንካልኣይ ቃል - መሕተት ተጸዊዐምኒ ኩሉ ከቃንዖ ኣልኒ ማለት እዩ፣ ካልኣይ ቃል - ማሕተት ከይጸውዑ መልሲ
ተሰዲደምሎይ ግና ከቃንዖ ዘለኒ ጉዳይ የልን ማለት እዩ ኢለ ጸልኹ። ወርሒ 4/ 2015 ብስሩዕ ቤት ክርስትያን
ክማላለስ ስለ ዝጀመርኩ ኣብ ኣጎልጉሎት ጎይታ ክሳተፍ ይሕተት። ውሽጠይ ከየቃናዕኩ ላእ፣ ኣጎልጉሎት ጎይታ ቅዱስ
እዩ። እቲ ዘገልገል ድማ ብደም የሱስ ካብሓጥያት ጸርዩ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዘገልገል ዝበል ኣብ መጽሓፍ
ቅዱስ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ዝምሃርኒ ሓቅነት ውሽጠይ ስለ ዝመልኦ፣ ሕጂ ከም ዘየገልገል፣ ኣብቲ ተዳለኹሉ ግዜ
ባዕለይ ክነግር ምኻነይ ኣነጺረ ኣብ ሕብረተይን ጸሎተይን ቀጸልኩ። ብ ወርሒ 05 ኮይኮነ ኣይተርፍን 2015 ደብዳበ
ናይ 2ይ ቃል - መሕተት (interview) ይመጸኒ። ነዛ ደብዳበ ሒዘያ ተንበርኪኸ፣ ጎይታ የሱስ ስላ
ምሕረትካ ተመስገን፣ ከቃንዖ ስለ ዘለኒ ደብዳበ ናይ 2ይ ቃል መሕተት ሰዲዶምለይ። ስልጣን ሰማይን መድርን ኣብ
ኢድካ እዩ እሞ ብትብዓት ኩሉ ኣቃኒዐ ክወጽእ ሓይሊ ሃብኒ።ንስኻ ኣብዚ ዓዲ ክንበር ተደሊኻኒ ክቕቦልኒ እዮም፣
እንተ ናብ ሃገርይ ኤርትራ ተመሎሱኒ፣ባህገይን ድሌተይን እዩ ክምለስ ፣ደይ ኣይትውጽእ እና በልካኒ
ዝወጻእኩ፣እተነጾጉኒ ውይ ሕማቕ መልሲ ትሃብኒ ንሰናየይ እዩ፣ ስለዚ ልበይ ኣትብዓዮ፣ በጃኻ ግን የሱስይ ብንጹር
ዝፈልጦ ስለዘየለ ከመይ ካብ ሕክምና ካታንያ ጥልያን ሃዲምካ መን ኣውጺእካ ኢሎም ከይሓትኒ ይልምነካ ኣለኹ
ብስም የሱስ ኣሜን ኢለ ጸልኹ። ዕለት ናይ ቃል መሕተት ኢንተርቪ ው ኣኺላ ጸልየ ናብ ርእሲ ከተማ ስዊዘርላንድ
በርን ይኸይድ። ኣብቲ መጸበይ ክፍሊ እና ተጸበኹ ሰይጣን እምነተይ ከጉድል እሞ ኣብ ሓጥያት ከውድቐኒ ብዝሕ
ሕቶታት ኣብ ርእሰይ ኣምጽአ፣ መንፈስ ቅዱስ ግና ልበይ ኣጽኒዑ ኣብ እምነተይ ደው ኣበለኒ። ውሽጠይ ሰላም
ስለዝሃቦ ኣብ ሞባይለይ፣ ግዜ ናይ ሕነ ምፍዳይ’ ዩ (it is time to revenge)ትብል ብእንግሊዝ ጽሒፈ ብጸግኡ
ኣብቲ እምነተይ ጸናዕኩ። እቲ ቀንዲ ኢንተርቪው ዝገብረልይ ሰላም ኢሉ ሒዝኒ ንላዕሊ ይድይብ። ሓንቲ ተርጋሚት፣
ካልአይቲ ናይ ሕጊ ወገን ኮይና ኩሉ ትከታተል ክትሓትኒ ውን መሰል ዘልዋ፣ሳልሳይ ድማ እቲ ቀንዲ ዝሓተኒ ኩሉ
ምሎም ሰለስተ ማለት እዩ። ኣብ ኢደይ ዘሎ ደብዳበ እንታይ እዩ ወይ ቅድም ዝኾነ ክብሎ ዘልኒ ተሎ ዕድል ይህበኒ።
ኣነ ድማ ነታ ምሳይ ዝነበረት ደብዳበ ከፊተ እና ኣውጻእኩ ነየናይ እየ ሓስየ፣ እንታይ እዩ እቲ ሓቂ፣እታ ሓቅነታ
ዘየረጋገጽኩ ዝሰደድክሎም ወረቐት ብጸጋመይቲ ኢደይ እና ሓበርኩ ከምዚ በልኩ፣ እዛ ወርቀት ርግጸቻ ኣይኮንኩን
ግን ናይ ሓሶት እያ ኢለ ይኣምን፣እታ 100 ካብ 100 ሓቀቻ እዚኣ እያ ኢለ ብየማነይ ኢደይ ይህቦ። ዘዝሓተተኒ ሕቶ
ሓቂ ብዘይ ምግናን ክነግሮ ጀመርኩ። እታ ናይ ሕጊ ወገን ንእስ ዝበልት ከባቢ 24ክሳብ 25 ትገብር ስዊዘርላንዳዊት
ፍሽኽ እና በለት ብምግራም ትጥምተኒ ኔራ። ምግናን ዘይብሉ ብጸጋ ኣምላኽ ሓቂ ክዛረብ ምስጀመርኩ ልበይ
መመሊሱ እና እናበርትዐ ኸደ። ኣብ መወዳእታ እንታይ ኣሎ ክትብሎ ትደሊ ምስበልኒ፣ ኣብቲ ቀዳማይ ቃል መሕተት
ጽቡቕ ጌረ ጥዕናይ ደልዲለ ስለ ዘይነብርኩ ምዓት ሓሶትን ምግናን ኣሎ።ኮነ ኢለ ኣይኮንኩን፣ብሰንኪ ሓደጋ ናይ
ርእሰይ ማህሰይቲ ካልእን እየ። ሕጂ ግን በጃኹም ኩሉ ድጎምለይ ብዛዕባይን ብስድራይን ብካልእን ዝሓሰኽዎ ሓቂ
ክነግረኩም፣ኣብ ስመይን ስም ኣቦይን ውን ጌጋ ኣሎ ይብሎ። ንሱ ድማ ኩሉ እቲ ናይ ሕክምና ወረቐት ወሲዱ ርእዩ
መለሰልይ፣ነታ ሲዲ ግና ወሰዳ እሞ ከምዚ በልኒ፣ ሓደጋ ከምዘጋጠምካን ነቲ ቀዳማይ ቃል መሕተት ዳግመ ግምት
ክንገብረሉ ከምዘልና ዝብል ደብዳበ ሰዲድካልና ሰለ ዝነብርካ ፣ ብኸሙ እየ ካብ ዝሓለፈ እና ወሰድኩ
ዘይሓተኩኻ።ብዛዕባ ናይ ምቅናዕ ድማ ሕጂ ኩሉ ኣቃኒዕካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ቐዳምይ ኢንተርቪው ብጥልያን ኢኻ
ጌርካ ሓደ ካባና ጥልያን ዝርዳእ የልን ሓቀይ ዶ ኢሉ ንኽልትኤን ተወከሰን።ምልክት ምስሃብኦ ንዓይ ተመሊሱ
ጥልያን ዝኽእል ተኾይነ ሓተተኒ፣ናተይ መልሲ ውን ኖኖእ ምስ ኮነ፣ እዚ ናይ ሕጂ እኹልን ንጽርን ጌርካልና ኣለኻ
ኢሉ ብዛዕባ ስመይን ስም ኣቦይን ድማ ኣብታ ዝሃብክዎ ናይ ልደተይ ምስክር ዘልዋ ወረቐት ርእዩ ወረቐትን ፒሮን
ሂቡ ስመይ ኩሉ ዝተወልድኩሉ ዕለት ክሉ ክጽሕፈሉ ይህበኒ፣ኣነ ድማ ኩሉ ስመይ ስም ኣቦይ ስም ኣብሕስጎይ ዕለት
ልደተይ ጽሒፈ ሃብክዎ። ንሱ ድማ ክዕረ ምኻኑ ነጊርኒ ብሰላም ተፋነና። ደገ ምስወጸእኩ ምስጋና
ተመሊአ፣ኣዒንተይ ናይ ሓጎስ ንብዓት እናፈልፈላ ልበይ ሰላም ክርስቶስ መሊእዎ ብሓጎስ ከምስገን ጀመርኩ ፣ሳላ
የሱስ ትዓዊተ፣ ኣሜን። ብጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተደጊፈ ከምዘቃናዕኩ ዝመስክርክሎም ኣዕሩኽተይ
ስድራቢተይ፣ ክነጽጉኻ፣ዘይትጸንሕ ገለምለ በሉ። እቶም ኣብ ቤት -ክርስትያን ክምስክር ዝሰምዑኒ ግን
ተሓገሱ፣ብጸሎት ድማ ጽቡቕ መልሲ ክመጽኒ ለመኑ። ኣነ ፍቓድካ ይኹን ኢለ ስለዝጸለኹ ብዛዕባ ጥዑይ መልሲ
ክመጽኒ ኣይጸልኹን። ወርሒ 7/2015 መልሲ ደብዳበ ምስ መጸትኒ፣ከይ ከፈትኩ ሒዘያ ተንበርኪኸ፣ እግዚኣብሄር
ኣምላኸይ መልሲ ሰዲዶምለይ፣ዝኾነ ይኹን ተመስገን። ተቐበሉኒ ተምስገን፣ተነጸጉኒ ተምስገን፣ሕማቕ ወረቐት
ተሃቡኒ ተመስገን፣ብኽሉ ተባረኽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢለ ይኸፍታ እሞ እቲ ቀዳማይ ብልጽ መልሲ በ ዝብሃል
ወረቐት(B-Identification card/B-Ausweis) ይህቡኒ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣየሕፈረንን፣ ስልጣን ኣብኢዱ
ስለዝኾነ ንሓለፍትን ወሰንትን ኣዚዙ መልሲ መሊስለይ። ብዓይኒ ሰብ ክትርእዮ ከለኻ ዘይክኣል፣ናይ ምንባርካ ሕቶ
ከንጽጎን ኣሉታ ከውህብን ዝኽእል እዩ። እቲ ኣነ ዝኣምኖ ኣምላኽ ኤልሻዳይ ኩሉ ዝኽእል ስለዝኾነ ይክኣሎ እዩ፣ እዚ
ኩሉ ስልጣን ናቱ እዩ፣ ኩሉ ዝኽእል ዝብሎ ዘልኹ እግዚኣብሄር ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እግዚኣብሄር ሓደ
ኣምላኽ ይብሃል። መታን ንክቕበሉኻ፣መታን ክሰልጠካ፣ወይ ንዝኾነ ኢልካ ሓሲኻ ወይ ኣጋኒንካ ዘለኻ ተነሳሕ
ኣቃንዕ፣እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ክድግፈካን እቲ ንዓኻ ዝበልጸን ክገብረልካ ምኻኑ ይምስክረልካ።

ኣብ መወድእታ ነዚ ክምስክር ዘብቅዓኒ እግዚኣሄር ኣምላክ ይባረኽ። ቀጺለ ውን ኣብ ኤርትራ ዘልዉ ካብ ስድራይ
ጀሚረ ኩሎም ስለይ ዝጸልዩን ዝነብዑን ከምኡ ውን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ስለይ ዝጽልዩ
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጸሎትኩም ጸምኩም ንብዓትኩም ኮንቱ ክኸውን ኣይሓደጎን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣዕዚዙ
ብስም የሱስ ይባርኽኩም ፣እንሃልኩም ምስክርይ ኣንቢብኩም ተባረኹን ብሓጎስ ኣመስግኑን ክብሎም
ይፈቱ ።ንዝኾነ ሕቶ ድዩ ወይ ኣጸቢቑ ክንጽረልኩም ትደሊዎ፣ወይ ዝኾነ ካልእ ክትብሉ ትደልዩ በዛ ኢመይል
isayasabrham@gmx.ch ክትጽሕፍሎይ ይላበወኩም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባርኽኩም። ነቲ ዝተበጀወኒ
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብቕድስና ደው ክብለሉን ከምቲ ዝደልየኒ ከፍቕዱ ክማላለስን ኣብሂወተይ ከኽብሮን ኣብ
ጸለትኩም ዘክርኒ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባርኽኩምን ጸግኡ የብዝሓልኩምን። ነቲ ዘይነጽፍ ምሕረትን ጸጋን
ፍቕርን ዘልዎ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ስላሴ እግዚኣብሄር ኣቦን እግዚኣብሄር ወልድን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን
እግዚኣብሄር ሓደ ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ስግደትን ንዘልኣለም ነበይኑ ይኹን።ኣሜን።

Você também pode gostar